2009-07-23 16:04:21

ንሰብአዊ ረዲኤት ዝተሰልዔ ገንዘብ ፍርቁ ጥራሕ አታዊ ከም ዝኾነ አወሃሃዲ ረዲኤት ገሊጾም>


ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2009 ካብቲ ንሰብአዊ ረዲኤትን ንልምዓታዊ ፕሮጀክትን ብለገስቲ ሃገራት ዝተሰልዔ ገንዘብ ፍርቁ ጥራሕ ከም ዝተረኽበ አወሃሃዲ ረዲኤት ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ጆን ሆልምስ መግለጺ ከም ዝሀቡ ይምልከት።

እዚ ለገስቲ ሃገራትን ናይ ገንዘብ ተቅዋማትን ንባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክህብዎ ዝአተውዎ መብጽዓ አብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ጠንቂ ቅልውላው ኤኮኖሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ጆን ሆልምስ ከም ዝግምቱ ጆን ሆልምስ ከም ዝገለጹ ተነጊሩ አሎ።

ነዚ ዓመት”ዚ ዝተሰልዔ ገንዘብ ትሽዓተ ሚልያርድን ሐሙሽተ ሚእቲ ሚልዮንን ዶላር ከም ዝኽነ ጆን ሆልምስ ጠቂሶም ፍርቁ ጥራሕ አታዊ ከም ዝኾነ አብ ጀነቭ ስዊትጸርላንድ አብ ዝሀብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘነጸሩ ይምልከት። ዝሐለፈ ዓመት ብባይቶ ሕቡራት ሀገራት ረዲኤት ዝተገብረሉ ህዝቢ ዕሥራን ሰለስተን ሚልዮን ከም ዝነበረ ጆን ሆልምስ ዘኪሮም አብዚ ዓመት”ዚ ረዲኤት ዘድልዮ ህዝቢ አርባዓን ሰለስተን ሚልዮን ከም ዝኾነ ሐበሬታ ከም ዝሃቡ እዚ ካብ ጀነቭ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ።

አብዚ እዋን”ዚ ህጹጽ ረዲኤት ዘድልየን ሃገራት አፍጋኒስታን ረፓብሊክ ኮንጎ ሱዳን ዚምባብወ ሶማልያ ከም ዝኾና ክአ ጆን ሆልምስ ከም ዘመልከቱ ተፈሊጡ። ዓለም ለኸ ረዲኤት እንድሕሪ ውሒዱ ወይ ክአ ተቋሪጹ አብ ዝተፈላላያ አብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝተጀመረ ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታት ጠጠው ክብል ይኽእል ፍልሰት ህዝቢ ክበዝሕን ክቅጽልን ተክእሎ አሎ ኢሎም ሆልምስ

ከም ዘጠንቀቁ እቲ ዜና አመልኪቱ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.